ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዘኹርዕ ዓወት ንዘመዝገቡ ኣትሌታት ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝበፅሕ ሽልማት ተዋሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዘኹርዕ ዓወት ንዘመዝገቡ ኣትሌታት ካብ 50 ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ዝበፅሕ ሽልማት ተዋሂቡ።
ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዘኹርዕ ዓወት ንዘመዝገቡ ኣትሌታት ኣብ ቤተ መንግስቲ መርሃ ግብሪ ኣቀባብላን ምስጋናን ተኻይዱ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ፕሬዚዳነት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መነገስቲ ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብ10 ሜትሮ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ወርቂ ንዘምፀአት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር፣ ኣብ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ንዘርኣየቶ ውፅኢታዊ ናይ ጉጅለ ስራሕ 500 ሺሕ ብር ብድምሩ 2 ሚሊየን ብር ተሸላሚ ኮይና።
ብማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ መዳሊያ ወርቂ ንዘምፀአት ኣትሌት ጎይተቶም ገብረ ስላሴ ድማ ብር 1 ሚሊየንን 750 ሺሕን ፣ ብማራቶን ደቂ ተባዕቲዮ ሜዳሊያ ወርቂ ንዘምፀአ ታምራት ቶላ 1 ሚሊየንን 750 ሺሕን ብር ተሸለምቲ ኮይኖም።
ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ሜዳሊያ ብሩር፣ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ወርቂ ንዘምፀአት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብፍሉይ ኩነታት ሽልማት 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ኮይና።
ብማራቶን ደቂ ተባዕቲዮ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዝዛዘመ ኣትሌት ሞስነት ገረመው 1 ሚሊየን ብር፣ ብ3 ሺሕ መሰናክል ሜዳሊያ ብሩር ንዘምፀአት ኣትሌት ወርቅውሃ ጌታቸው 1 ሚሊየን ብር ከምኡውን ብ3 ሺሕ መሰናክል ሜዳሊያ ብሩር ንዘምፀአ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ 1 ሚሊየን ብር ተሸለምቲ ኮይኖም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።