Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ደሕንነትን ሕብረተሰብ ንጉጅለ ኣትሌቲክስ ኣቀባብላ  ዝተለመደ ምትሕብባር ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ደሕንነትን ሕብረተሰብ ንጉጅለ ኣትሌቲክስ ኣቀባብላ  ዝተለመደ ምትሕብባር ንክገብር ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዓቢዪ ውፅኢት ንዘመዝገበ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣቀባበል ንምግባር ንተሸከርከርቲ ዝዕፀዉ መገዲታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ግብረ ሓይሊ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ እንትኸውን፥ ነቲ ጉጅለ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝገበረሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕነነትን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ እዋን እቲ ኣቀባብላ ምጭንናቕ ትራፊክ ከየጋጥም ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሸከርከርቲ ሽለዝዕፀዉ ሕብረተሰብ ዝተለመደ ምትሕብባር ንኽገብር ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ንኣባላት እቲ ጉጅለ ኣትሌቲክስ 21ሓምለ 2014 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሙቕ ኣቀባብላ ዝግበረሎም እንትኸውን፥ እቲ ጉጅለ ካብ ዝዓርፈሉ ሆቴል ስካይላይት ካብ ወጋሕታ 1 ሰዓት ጀሚሩ ብዕጀባ ኣብ ዋና ዋና ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ስለዝጓዙ ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሸከርከርቲ ከምዝዕፀዉ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.