Fana: At a Speed of Life!

ልኡኻት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንዘርአዩዎ ሃገራዊ ሓድነትን ዘምፅኡዎ ውፅትን ፍሉይ ኣቀባብላ ክግበረሎም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ልኡኻት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዘርአዩዎ ሃገራዊ ሓድነትን ዘምፅኡዎ ውፅትን ፍሉይ ኣቀባብላ ከምዝግበረሎም ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዝዛዘመ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ኢዩ።

ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ፥ ኣብቲ ሻምፒዮና ዝተሳተፈ ጉጅለ ዝግበር ኣቀባብላ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ንኢትዮጵያ ዘኹርዕ ውፅኢት ዘመዝገቡ ኣትሌታትን ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝግበረሉ ገሊፆም።

ካብ ወትሩ ዝተፈለየ ዓቢዪ ኣቀባብላ ንምግባር ምድላው ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ድሕሪ ፅባሕ ሓሙስ እውን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተመረፁ ቦታታት ህዝቢ ነቶም ኣትሌታት ናእድኡ ብምግላፅ ኣቀባብላ ከምዝግር ተገሊ።

ብመሰረት እዚ ካብ ሆቴል ስካይ ላይ ጀሚሩ ብኣራት ኪሎ ፒያሳ ዘይሮም ቸርችል መስቀል ኣደባባይ ብምዛር ኣብ ቤተ መንግስቲ ሽልማትን ኣፍልጦን ከምዝወሃብ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም።

ፅባሕ ምሸት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝግበር ኣቀባብላ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ካልኦት ኣጋይሽን ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

ብዳንኤል እንዳለ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.