Fana: At a Speed of Life!

ሓዳሽ ፕሬዚዳንት ህንዲ ድሮፓዲ ሙርሙ ቃለ ማሕላ ፈፂመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ )ድሕሪ 15 ዓመታት ሓዳሽ ጓ ኣንስተይቲ ፕሬዚዳንት ህንዲ ኮይነን ዝተመረፃ ድሮፓዲ ሙርሙ ቃለ ማሕላ ከምዝፈፀማ ተገሊፁ፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኒው ደልሂ ኣብ ዝርከብ ማእኸላዊ ፓርላማ ኣዳራሽ ቃለ ማሕላ ዝፈፀማ ድሮፓዲ ሙርሙ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2007 ኣብ ዝተኻየደ ሃገር ለኸ መረፃ ህንዲ ናይ ምምራሕ ዕድል ካብ ዝረኸባ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕሬዚዳንት ፕራቲባ ቀፂለን ሃገር ንምምራሕ ዕድል ዝረኸባ ካልአይቲ ፕሬዚዳንት ኢየን፡፡

“ናሽናል ዴሞክራቲክ ኣሊያንስ” ካብ ዝተብሃለ ገዛኢ ፓርቲ ህንዲ ዝተረኸባ ድሮፓዲ ሙርሙ፥ ስዒረን ሃገር ንምምራሕ በቒዐን ዘለዋ ኣብ ሳልሳይ ዙር ቆፀራ ድምፂ ካብ መላእ መራፂ ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ምራፂ ከምዝረኸባ ተሓቢሩ፡፡

ፕሬዚዳንት ድሮፓዲ ሙርሙ ንመሪሕነት ዝበቕዓ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 18 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ምስ ተነሓናሒ ፓርቲ ዝተወዳደሩ ሕፁይ ያሽዋንት ሲንሃን ብምስዓር ከምዝኾነ ሲጂቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.