Fana: At a Speed of Life!

ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ቴክኒክን ሞያን ዝሰልጠኑ ልዕሊ 10 ሽሕ ተምሃሮ ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ዕዮ ልምዓት ቴክኖሎጂ ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለያዩ ዓውድታት ዘሰልጠኖም ልዕሊ 10 ሽሕ ተምሃሮ ሎሚ ኣመሪቑ።

እቲ ቤት ዕዮ፥ ካብ ደረጃ 2 ክሳብ ደረጃ 5 ብ124 ዓውድታት ዘሰልጠኖም ተምሃሮኡ እዩ ኣመሪቑ ዘሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ፣  ሚኒስትር ክእለትን ስራሕን ሙፈሪያት ካሚል፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለስ ኣለሙ ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም እዮም ክብል  ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከንተባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዝገበረኦ መደረ፥ ተመረቕቲ ዝረኸብዎ ክእለትን ፍልጠትን ተጠቒሞም ንዕቤት ልምዓት ኢንዱስትሪ ትፅቢት ዝግበረሎም እጃም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

“ልምዓት ኢንዱስትሪና ንምጥንኻር ዘኽእሉ ተስፋ ኢትዮጵያ ክበቕዑ ገይርና ኢና” ዝበላ እተን ከንቲባ ÷ ናይ ስራሕ ባህሉ ዝማዕበለ መፍረዪ ሓይሊ ንክህሉ ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን ዝገብረኦ ዘለዋ ፃዕሪ ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ከተማና ካብ ተመረቕቲ ብዙሕ ተስፋ ስለዘለዋ፥ ብፍላይ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ምንካይ ካብ ደገ ዝኣትዉ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብምፍራይ ክፍተት ዕዳጋ ንምምላእ ክንረባረብ ይግባእ ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.