Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 30 ሃገራት ልዕሊ 550 ዓበቕ ህበይ ሪፖርት ከምዝተገበሩ ተገለፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 30 ሃገራት ልዕሊ 550 ዓበቕ ህበይ ሪፖርት ከምዝተገበሩ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ዝርገሐ እቲ ቫይረስ እንተይተፈለጠ ካብ ምዕራብን ማእኸላይ ኣፍሪካ ናብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም ከምዝተስፋሕፈሐ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ቴክኒካዊ መራሒ ቫይረስ ዓበቕ ህበይ ዝኾኑ ሮሳመንድ ሉዊስ፥ እቲ ለበዳ ንመጀመርታ እዋን ኣበይ ከምዝተርኣየ ምፍላጥ ከምዘይተኸኣለ ተዛሪቦም።

እቲ ውድብ ነቲ ጉዳይ ምላሽ ከምዘይብሉ ንሲኤንኤን ዝገለፁ ሮሳመንድ ሉዊስ፥ እቲ ለበዳ ብዝበለፀ እንተይተስፋሕፈሐ ምስ ኣባል ሃገራት ተሓባቢሩ ንምክልኻል እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሖም።

ብዙሓት ሕሙማት ክትትል ሕክምና እንተይገበሩ ድሕሪ ሰሙን ክሓውዩ ከምዘይከኣሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.