ኣብ ታኒዛኒያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ታኒዛኒያ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 66 ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።
ዓለም ለኸ ዳይሬክተር ትካል ስደተኛታት ታኒዛኒያ ዶክተር ቃሲም ሱፊ፥ እቶም ዜጋታት ኣብ ምምላስ ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት፣ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር፣ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ታኒዛኒያ ንዝገበርዎ ምትሕብባር ንኢዶም።
ኣቐባሊ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ሃገራት ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ዝነብሩ ልዕሊ 12 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ስራሕ ካብ 7 ሓምለ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ ምባሎም ብምዝኽኻር ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።