Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ንመበል 18 ግዘ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 2ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኦሪጎን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 18 ግዘ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 2ይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ክሳብ ሕዚ 3 ወርቂን ሰለስተ ብሩርን ሜዳሊያታት ብምምፃእ ኢያ ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ፡፡

ኣብ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ለተሰንበት ግደይ ፈላማይ ሜዳሊያ ወርቂ፣ ብማራቶን ውድድር ብክልቲኡ ፆታ ኣትሌታት ታምራት ቶላ ጎይተቶም ገብረስላሴን ክልተ ሜዳሊያ ወርቂ ንሃገሮም ኣመዝጊቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ሞስነት ገረመው፣ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ጉዳፍ ፀጋይን ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ ኣንስትዮ ለሜቻ ግርማ ንሃገሮም ሜዳሊያ ብሩር ረኺቦም፡፡

ክሳብ ሕዚ ብተዝገበረ ውድድር ኣሜሪካ 6 ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን 6 ነሓስነ ብምምዝጋብ ቀዳመይቲ ኮይና ትመርሕ ኣላ፡፡

ኬንያ ብግድኣ ሓደ ወርቂ፣ ክልተ ብሩርን ሽዱሽተ ነሓስን ብመሓዝ ካብ ኢትዮጵያ ቀፂላ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ፡፡

ኣብቲ ሻምፒዮና ካብ 192 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 1 ሺሕን 972 ኣትሌታት ብ50 ውድድራት ኣትሌቲክስ እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ሓበሬታታት የመላኽቱ።

ኣብ ኣሜሪካ ኦሪጎን እናተኻየደ ዝርከብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 17 ሓምለ 2014 ዓ.ም ክዛዘም ኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.