ኣፈጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፤ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ካንግ ተዛቲዮም።
እቲ ዘተ ዝፀንሐ ታሪኻዊ ርክብ ክልቲአን ሃገት ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ልዕል 6 ሺሕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምልኣኽ ንሰላም ኮሪያ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተት ኣይተ ኣገኘሁ ተዛሪቦም።
ሐዚ ዘሎ ርክብ ክልቲአን ሃገራት እወንታዊን ዝተባባዐን ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ርክብ ብልምዓት፣ ትምሀርቲን ስልጠናን፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ዝግለፅ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ኲናት ብሰለማዊ መገዲ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ፅኑዕ እምነት ከምዘለዋ እቶም ኣፈጉባኤ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ካንግ ብግደኦም፥ ክልቲአን ሃገራት በዝተፈላለዩ ዓውዲታት እወንታዊ ምትሕብባርን ርክበን ከምዘለወን ኣብሪሆም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር መንግስቶም ከምዝደሊ ምርግጋፆም ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።