Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጋና  ማርበርግ ዝተብሃለ ሓደገኛ ተላባዒ ቫይረስ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋና ንመፈለምታ እዋን ማርበርግ ዝተባህለ ሓደገኛ ተላባዒ ቫይረስ ከምዝረኸበት ኣፍሊጣ።

ክሳብ ሐዚ በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ክልተ ሰባት ከምዝረኸበት እውን ኣረጋጊፃ።

እቲ ቫይረስ፥ ከም ቫይረስ ኢቦላ ሓያል ሕማም ረኽሲ ዘስዕብ ቫይረስ እዩ ተባሂሉ።

በቲ ቫይረስ ዝተጠቕዑ ክልቲኦም ሕሙማት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ኣሻንቲ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ከም ዝሞቱ ተገሊፁ።

እቲ ውፅኢት መርመራኦም፥ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ’ዚ ብቫይረስ ማርበርግ ከም ዝተጠቕዑ የርኢ።

እዚ ድማ ኣብ ሰኔጋል ኣብ ዝርከብ ላብራቶሪ (ቤተ – ምርምር) ከምዝተረጋገፀ ተሓቢሩ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ዘለዉ ሰብ መዚ ጥዕና፥  ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ዝተጠርጠሩ 98 ሰባት ከምዝተወሸቡ ይገልፁ።

ንቫይረስ ማርበርግ ዝኸውን ሕክምና’ኳ እንተዘየለ ሓካይም ግን እዅል ማይ ምስታይን ንዝተወሰነ ምልክታት ክንክን ምግባርን ነቲ ሕሙም ብህይወት ንኽቕፅል ዘለዎ ዕድላት ከም ዘመሓይሾ ኣብሪሆም።

እቲ ቫይረስ ካብ “ፍሩት ባትስ” ዝበሃላ ዓሌት መንካዕ ናብ ሰባት ይመሓላለፍ፤ ብኣካላዊ ፈሳሲ ድማ ኣብ መንጐ ሰባት ይዝርጋሕ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.