ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብሰለስተ ውድድራት ፍፃመ ክትሳተፍ ኢያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ኦሪገን ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም፥ ኢትዮጵያ ብሰለስተ ውድድራት ፍፃመ ክትሳተፍ ኢያ።
ብብመሰረት እዚ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10:15 ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ፣ ኣባበል የሻነህን ኣሸቴ በከሪን ክሳተፉ ኢዮም።
ለይቲ 11፡20 ኣብ ዝካየድ ውድድር መሰናክል 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ሃይለማርያም ኣማረ፣ ጌትነት ዋለን ለሜቻ ግርማን ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ለይቲ ሰዓት 11:50 ኣብ ዝግበር ፍፃመ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትሌት ሂሩት መሸሻ፣ ጉዳፍ ፀጋይን ፍሬወይኒ ሃይሉን ሃገረን ብምውካል ከምዝወዳደራ ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።