ቤት ምክር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ን2015 በጀት ዓመት ልዕሊ 100 ቢሊየን ብር ውሳነ በጀት ኣፅዲቑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምክር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ን2015 በጀት ዓመት ልዕሊ 100 ነጥ 05 ቢሊየን ብር ውሳነ በጀት ኣፅዲቑ።
ትልሚ በጀት ዓመት 2015 ኣብ ከይዲ ለውጢ ዝተቐመጡ ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ብዝበለፀ ብምጥንኻር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡
ፅሬት ዘለዎ ኢኮኖሚ ንኽህሉ ምርግጋፅ፣ ፍርያትን ተወዳዳራይነትን ብምድንፋዕ ንዜጋታት ቅልጡፍን ውፅኢታዊን ኣገልግሎት ብፅሬት ቕራብ፣ ትካላዊ ለውጢ ምርግጋፅ፣ ምርግጋፅ መሪሕነት ኢኮኖሚ ዘፈር ውልቀ፣ ፍትሓዊ ተሳትፎ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ምርግጋፅ፣ ፅሩይ መስተ ማይ፣ መሰረተ ልምዓት፣ መገዲ፣ ፈጠራ ዕድለ ስራሕ ከምኡ እውን ምጥንኻር ስራሕቲ ፅባቐ ከተማ ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ዝግበረሎም ስራሕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com