Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ 104 ካምፓሳትን ጨንፈራትን ናይ ውልቀ ላዕለዎት ትካላት ስጉምቲ እርማት ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ዝርከቡ 104 ካምፓሳታን ጨንፈራትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ውልቀ ስጉምቲ እርማት ከምዝተወሰደ በዓል መዚ ትምህርቲን ስልጠናን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ልዕሊ እተን ትካላት ዝተወሰደ ስጉምቲ ፍቓድ ኣፍልጦ ዘይተውሃቦም ካምፓሳታት፣ ጨንፈራትን ዓውዲታት ትምህርቲን ተምሃሮ ተቐቢለን እናምሀራ፣ ሕድሳት ፍቓድ ኣፍልጦ ኣብ ዘይተውሃቦም ዓውዲታት ትምህርቲ መዝጊበን እናምሀራ ስለዝተረኸባ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እተን ትካላት ዝፈጠረኦ ስሕተት ስዒቡ ድማ ናይ ፅሑፍ መጠንቀቕታ ካብ ምሃብ ጀሚሩ ክሳብ ምስራዝ ፕሮግራም፣ ካምፓስን ብብርኪ እተን ትካላት ፍቓድ ኣፍልጦአን ተሰሪዙ ሙሉእ ብሙሉእ ምዕፃውን ከምዘካትት እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ተወሳኺ ናይ መእረምታ ስጉምቲታት ዕላዊ ከምዝግበሩ እውን ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.