Fana: At a Speed of Life!

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ትርጉም ሕገ-መንግስቲ ኣመልኪቱ ዝቐረቡ ውሳነ ሓሳባት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ብመፃረዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ-መንግስቲ ትርጉም ዝቐረበ ሕቶ ትርጉም ሕገ-መንግስቲ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ተዛቲዩ ኣፅዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ በቲ መፃረዪ ጉባኤ ትርጉም የድልዮም ብዝብል በቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ተፀኒዖም ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ ውሳነ ሓሳባት፥ እቶም ሽዱሽተ “ትርጉም ሕገ-መንግስቲ ኣየድልዮምን” ብዝብልን ሓደ ውሳነ ሓሳብ “ትርጉም ሕገ-መንግስቲ የድልዮ” ብዝብል ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ መፃረዪ ጉባኤ ሕገ-መንግስቲ ትርጉም ኣየድልዮምን ብዝብል ውሳነ ኣብ ዝተውሃቦምን ነቲ ቤት ምኽ ብይግበአኒ ኣብ ዝቐረቡ 80 ስምዕታታት ተዛቲዩ “ትርጉም ሕገ-መንግስቲ ኣየድልዮምን” ብዝብል ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብሓደ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ከምዘፅቐ ካብቲ ቤት ምኽ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.