ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፅባሕ ስሩዕ ኣኼቡኡ ከካይድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ 6ይ ዘበን ፓርላማ 1ይ ዓመት እዋን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ፅባሕ ከካይድ ኢዩ።
ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ተረፈ በዳዳ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኣኼቡኡ ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ተዛቲዩ ውሳነ ከሕልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ድጎማ በጀትን ሓበራዊ እቶትን፣ ቀዋሚ ኮሚቴ ወሰን ምሕደራ መንነትን ህንፀት ሰላምን፣ ትርጉም ሕገ-መንግስቲን ኣፈፃፅማ ውሳነን፣ ኣብ ዴመሞክራሲያዊ ሓድነት ርክብ መንግስታትን ኣስተምህሮ ሕገ መንግስቲን ከምኡ እውን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ከምዘፅድቕ ትፅቢት ይግበር።
ውስን ዕላማ ዘለዎም በጀት ድጎማን ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ፌዴራልን ፍትሓዊንት ንምዕሳል ኣብ ዝተሰናደአ ረቂቕ ደምቢ ብዕምቆት ከምዝዛተ እውን ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብ መፃረዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ-መንግስቲ ትርጉም ሕገ-መንግስቲ ኣየድልዮምን ዝተብሃሉ ውሳነ ሓሳባትን ናብቲ ቤት ምኽሪ ብይግበአኒ ኣብ ዝቐረቡ ስምዕታታትን ካልኦት ጉዳያትን ተዛቲዩ ውሳነ ከምዘሕልፍ እውን ተገሊፁ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com