Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ጥንኩር ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ንምትግባር እናተሰናደአት ምዃና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ካብ ዝቕፅል ዓመት ጀሚሩ ጥንኩር ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ንምትግባር ኣብ ምድላው ከምዝኾነት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጀነራል ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ (ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ) ጎና ጎድኒ ስሩዕ ኣካይዳ ዲፕሎማሲያዊ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ዝትግበር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ኣካይዳ ዝተፈላለዩ ውዳበ ህዝቢ ብምስታፍ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ንምስላጥ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ፣ መራሕቲ ዘፈር ንግዲ፣ ትካላት ሚዲያን ትምህርቲን ትካላት ሲቪክ ማሕበረሰብን ኣብቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.