ቀዳምን ሰንበትን ጥራሕ ፅዑቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ኣብ ሙሉእ ሰሙን ምስ ዝግበር ምንቅስቓስ ዝመዓራረ ረብሓ ኣለዎ -መፅናዕቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተመራመርቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ክብድ ዝበለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ሰባት ክሳብ ክንደይ እወንታዊ ውፅኢት ከምዘመዝገቡ ንምፍላጥ ኣብ 350 ሽሕ ሰባት ን10 ዓመታት ክትትል ክገብሩ ከምዝፀንሑ ተገሊፁ።
እቲ ኣብ መፅሄት ጃማ ኢንተርናል ሜዲሲን ዝተሓትመ መፅናዕታዊ ፅሑፍ፥ እቲ ዘገድስ ዓይነታት እትገብሮ ምንቅስቓስን ንኽንደይ ሰዓታትን እምበር ንኽንደይ መዓልታት ከምዘይኮነ የረድእ።
ኣብ ሰሙን ብዉሑዱ 150 ደቓይቕ ማእከላይ ፃዕቒ ዘለዎ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ከምዘድሊ ድማ ተገሊፁ።
ቅልጣፈ ዘለዎ ጉዕዞ እግሪ ምግባር፣ ብብሽክለታ ቀሊል ዑደት ምክያድ ወይ ቴኒስ ምፅዋት ኣብዚ ዝጥርነፉ እዮም።
ወይ ድማ ን75 ደቓይቕ ዝኣክል ከም ጉያ፣ ምሕንባስ ወይ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ዝኣመሰሉ ብርቱዕ ንጥፈታት ክተካይድ ትኽእል ኢኻ ይብሉ ክኢላታት ጥዕና።
ካብቶም ኣብቲ ናይ ኣሜሪካ መፅናዕቲ ዝተሳተፉ እቶም ዝበዝሑ፥ ነዚ መጠን ናብ ምሉእ ሰሙን መቓቒሎም’ዮም ዝነጥፉ።
ገሊኦም ግን ኣብ ክንዲ ዝመቓቕልዎ ኣብ ሓደ ወይ ክልተ ክፍለ ግዜ ኣፅዒቖም ይፍፅምዎ።
እቶም ነቲ ኣብ ሰሙን ዝምከር መጠን ምንቅስቓስ ኣብ መላእ ሰሙን ይኹን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ዝፍፅሙ፥ ካብ’ቶም ካብቲ ዝምከር መጠን ንታሕቲ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ዝወሓደ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጥሞም ሓቢሩ።
ናብ ጎቦታት ዝግበር ጉዕዞ እግሪ እውን ንሸቶታት ምንቅስቓስ ኣካላት ንምብፃሕ ፅቡቕ መገዲ ተባሂሉ ይውሰድ።
ቅልጣፈ ዘለዎ ጉዕዞ እግሪ ምግባር፣ ብብሽክለታ ቀሊል ዑደት ምክያድ ወይ ቴኒስ ምጽዋት ኣብዚ ዝጥርነፉ እዮም።
ወይ ድማ ን75 ደቓይቕ ዝኣክል ከም ጉያ፣ ምሕንባስ ወይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዝኣመሰሉ ብርቱዕ ንጥፈታት ክተካይድ ትኽእል ኢኻ ይብሉ ክኢላታት ጥዕና።
እቶም ንሰብነትና ከደልድሉ ዝኽእሉ ዓይነታት ምንቅስቓስ፥ ከም ዮጋ፣ ፒላቲዝን ጀርዲን ናይ ምክንኻን ንጥፈታትን ዝኣመሰሉ እዮም ተባሂሉ።
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምዕዋት ክሕግዝ ዝኽእል ኣዝዩ ብርቱዕ ንጥፈታት ድማ ልዑል ፃዕቒ ዘለዎ እናፈላለኻ ዝካየድ ስልጠና፥ ክብደት ዘለዎም ነገራት ምልዓልን ናብ ጎቦ ምድያብን ዝብሉ ዘጠቓልል ከምዝኾነ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ብድምር ኣብ ቀዳመ ሰንበት ፅዕቕ ዝበለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር ማዕረ’ቲ ኣብ ምሉእ ሰሙን ዝግበር ምንቅስቓስ ጠቓሚ ምዃኑ እቲ መፅናዕቲ ኣመልኪቱ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።