መንግስቲ ዝሃቦ ኣማራፅታት ሰላም ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ምርግጋፅ ይግባእ- ነበር መራሕቲ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዝሃቦ ኣማራፅታት ሰላም ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ምርግጋፅ ይግባእ ክብሉ ነበር መራሕቲ ኢትዮጵያ ገሊፆም።
መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘለ ፀገም ብሰላም ንምፍታሕ ብምውሳን ነዚ ስራሕ ብዋናነት ዝፍፀም ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ምጥያሹ ይዝከር።
እቲ ከይዲ ሰላም ሕገ መንግስታዊ መትከላት ዘኽበረ፣ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንድርድር ዘየቕርብን እቱ ከይዲ ድማ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣተሓባባርነት ዝምራሕ ንክኸውን ቅዋም ምትሓዙ ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቲዮስ ገሊፆም ኢዮም።
ስለዝኾነ ኣብ ክሊ ውሳና መንግስቲ ብምድሃብ ግዜኢ ዘዘራረቦም ነበር ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ ዶክተር ሙላቱ ተሾመን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣይተ ሃይለማሪያም ደሳለይን፥ ኢትዮጵያ ካብ ገዛእ ርእሳ ሓሊፋ ቀንዲ ዋርድያ ሰላምን ድሕንነትን እዚ ቀጣና ከምዝኾነት ሓቢሮም።
እቶም መራሕቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ኢትዮጵያ ሐዚ ዘጋጠማ ፀገም ብምፍታሕ ናብ ሰላም ንክትምለስ ምግባር ናይ ግድን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ነዚ ድማ መንግስቲ ውሳነ ኣማራፅታት ሰላም ምሕላፉ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ንሰላም ኢትዮጵያ ካብ ኢትዮጵያዊያን ወፃእ ካሊእ ተዛራቢ ከምዘየድሊ እውን ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ መንግስቲ ዝሃቦ ውሳነ ሰላም ንኢትዮጰያ ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም።
ኲናት ንህዝብን ሃገርን ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉና ኢዩ ብምባል፥ ኣብ ኲናት ዝሳተፍ ዝኾነ ይኹን ኣካል ካብቲ ኲናት ምንም ትርፊ ከምዘይረክብ ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ መንግስቲ ዝሃቦ ኣማራፅታት ሰላም ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ሃገርና ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ምርግጋፅ ይግባእ ክብሉ እቶም ነበር ላዕለዎት መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣገንዚቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።