ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም ትራንስፖርት ንፍታሕ ፐብሊክ ኣውቶብስ ብጊዚያዊነት ናብ ናይ ትራንስፖርት ስራሕቲ ዝኣትዋሉ ኣማራፂ ንምጥቃም ስምምዕነት ተገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዳግማዊት ሞገስን ኣብ ክሊ ፀገማት ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ብምድሃብ ተዛቲየን።
ኣብ ዘተአን፥ እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ተወከልቲ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን እቲ ሚኒቴርን ኣብ ዝተረኸብሉ ዝተፈላለዩ ናይ ነዊሕን ሓፂርን ኣማራፅታት ሓሳብ ብዝምልከት ዘቲየን።
ብመሰረት እዚ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ፐብሊክ ኣውቶብስ ብጊዚያዊነት ናብ ናይ ትራንስፖርት ስራሕቲ ዝኣትዋሉ ኣማራፂ ንምጥቃም ተስማዕሚዐን።
ኣብ ቀፃሊ ዝትግበሩን መሰረታዊ ለውጢ ዘምፅኡን ዘበናዊ ኣማራፅታት ትራንስፖርት ከተማ ብዝምልከት እውን ምዝታየን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።