Fana: At a Speed of Life!

መበል 124 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ንምዝካር ዝካየድ ጉዕዞ ዓድዋ ተጀሚሩ

አዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ መበል 124 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ንምዝካር ዘዳለዎ ጉዕዞ ዓድዋ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ኣብ መበገሲ እቲ ጉዕዞ፥ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው ሓወዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

እቲ ጉዕዞ “ዓድዋ እምነ ኹርናዕ ሓድነትና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

መበገሲኡ ኣዲስ ኣበባ ድልድል ዓድዋ ዝገበረ እቲ ጉዕዞ፥ ኣብ ኣንጎለላ፣ ወረ ኢሉ፣ ውጫሌ፣ ማይጨው፣ እንዳ ኢየሱስን ካልኦት ተሪኻዊ ቦታታትን ዑደት ብምግባር ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ዝዓርፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ጉዕዞ ዓወት ዓድዋ ካብ ምዝካር ሓሊፉ ኣብ ሕብረተሰብ ግንዛበ ንምፍጣር ዝዓለመ ምዃኑ እውን ዶክተር ሂሩት ካሳው ተዛሪበን።

በጉዞ መርሃ ግብሩ ላይ የክልል ባህል እና ቱሪዝም ቢሮ ሀላፊዎች፣ የሃይማኖት አባቶች የመገናኛ ብዙሃን ባለሙያዎች እና የተለያዩ የማህበረሰብ ክፍሎች ተሳትፈዋል።

ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ ጉዕዞ፥ ሓለፍቲ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልላት፣ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ሰብ ሞያታት መራኸብቲ ሓፋሽን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ብዘመን በየነ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.