ርእሰ ምምሕዳር ርስቱ ይርዳ ኣብ ዞባ ሀላባ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣመሪቆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳ ኣብ ዞባ ሃላባ ልዕሊ 94 ሚሊየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ ዝተሃነፁ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣመሪቆም፡፡
ካብ ሞንጎ ዝተመረቁ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣርባዕተ ትካላት ጥዕና ሓዊሱ ህንፃታት ምምሕዳር ከምዝርከብዎ ካብቲ ክልል ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ርስቱ ይርዳው ሓዊሱ ዋና ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ወይዘሮ ፋጤ ስርሞሎ፣ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሃላባ ዶክተር መሓመድ ኑርዬን ካልኦት ኣመራርሓታት እቲ ክልልን ተረኺቦም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com