ዝተተለመሉ ድጎማ ነዳዲ ተግባራዊ ምዃን ጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህዝቢ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህባ ተሸከርከርቲ ጥራሕ ተረባሕቲ ዝገብር ዝተተለመሉ ድጎማ ነዳዲ ካብ ሎሚ መዓልቲ 29 ሰነ 2014 ዓም ጀሚሩ ተግባራዊ ምዃን ከምዝጀመረ ሚኒቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከባ ንህዝቢ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህባ ተሸከርከርቲ ዝተተለመሉ ድጎማ ነዳዲ ተረባሕቲ ንምዃን ኣድለይቲ ሓበሬታታት ብመሃብ ብማእኸላት መሸጣ ኢትዮ ቴሌኮም ኣቢሎም ምዝገባ ከምዝገበሩ ይፍለጥ፡፡
ብሄራዊ ዝተተለመሉ ድጎማ ነዳዲ ብቴክኖሎጂ ንምሕጋዝ ብኢትዮ ቴሌኮም ኣቢሉ መተግበሪ ማዕቢሉ ዘተኣማምንን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ጀሚሩ ኣሎ፡፡
ብመሰረት እዚ ብቴሌ ብር ኣገልግሎት ንምርካብ ዝተመዝገበሩ ልዕሊ 160 ሺሕ ተሸከርከርቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚረን እቲ መተግበሪ ብምጥቃም ክተኣናገዳ እየን፡፡
ዝተተለመሉ ድጎማ ነዳዲ ተጠቀምቲ ዝኾና ንህዝቢ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህባ ተሸከርከርቲ ጥራሕ ኣብ ታሕቲ ብዝተገለፀ ዝርዝር ስእላዊ ምስሊ መሰረት ብምግባር መዓልታዊ መጠን ነዳዲ ምርካብ ይከኣል፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com