ረብሓ ህዝቢ ንምሕላው “ንኽእል ኢና” ብዝብል ዝተበገስናዮ ጉዳይ ጋህዲ ንምግባር ንሰርሕ ኣለና – ኣይተ ደስታ ሌዳሞ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተሳትፎ ህዝቢ ብረጋገፀ መልክዑ ረብሓ ህዝቢ ንምሕላው “ንኽእል ኢና” ብዝብል ዝተበገስናዮ ጉዳይ ጋህዲ ንምግባር ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።
ካልኣይ ዓመት በዓል ምስረታ ክልላዊ መንግስ ሲዳማ ምኽንያት ብምግባር ፓነል ምይይጥ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ‹ፓርቲ ብልፅግና ክልል ሲዳማ ኣይተ ኣብርሃም ማርሻሎ፣ ኣፈ ጉባኤ ክልል ሲዳማ ወይዘሮ ፋንታየ ከበደ፣ ሙሁራን፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ተናሓናይቲ ፓርቲታት፣ ከምኡ እውን መናእሰይ ተረኺቦም።
ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ሲዳማ ክልል ካብ ዝኸውን ንደሓር ዝመፅኡ ለውጢታት ተረባሕነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝመፅአ ለውጢ ብዓይኒ ዝረአ ኢዩ ኢሎም።
በክልሉ የሕዝቡን የልማት ጥያቄ ለመመለስ ትኩረት ተሰጥቶ እየተሰራ መሆኑን ተናግረዋል
ኣብቲ ክልል ሕቶ ልምዓት ህዝቢ ንምምላስ ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡