Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስራሕቲ  ልምዓት ሕርሻ  ዝድሃበ መድረክ ምኽክር ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምንቅስቓስ ሕርሻ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ክልላትን ዘድሃበ መድረክ ምኽክር ተኻይዱ፡፡

እቲ ምኽክር ብቀዋሚ ኮሚቴ ሕርሻን ብሚኒስቴር ሕርሻን ዝተዳለወ እንትኾን÷ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰብ ግደ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተገበረ እዩ፡፡

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ሰለሞን ላሌ ከምዝገለፁዎ÷ ስራሕ ሕርሻ ከተማ ከም ሃገር ዝተትሓዘ ልምዓት ዕዉት ንምግባር፣ ዜጋታት ተረባሕቲ ንምግባር፣ ዋሕስ ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ናህሪ ዕዳጋ ንምንካይን ሽርፊ ወፃኢ ንምርካብን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፡፡

ዕላማ እቲ ምኽክር ድማ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሕርሻ ንዝርከቡ ምችው ኩነታት ንምፍጣርን ፀገማት ንምፍታሕን ኢሉ እውን ተሳትፎ ኣብቲ ዘፈር ዘለዉ ሰብ ሃፍትታት ብምዕባይ ካልኦት ትምህርቲ ንክረኽቡሉ ዝተተለመ እዩ ተባሂሉ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ሃፍቲ እንስሳትን ዓሳን ሚኒስቴር ሕርሻ ኣይተ ፍቅሩ ረጋሳ÷ እናበዝሐ ዝመፀ ቁፅሪ ህዝቢን ምስፍሕፋሕ ስምዒት ከተማነትን ኣብ ሕርሻ ከተማ ብፅሒቱ ዝለዓለ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ሆልቲ ካልቸር ሕርሻ ሚኒስቴር ሕርሻ ዶክተር መለስ መኮንን ብግደኦም÷ “ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተሰርሐ ዝርከብ ናይ ከተማ ሕርሻ ንካልኦት ከተማታት እውን ትምህርቲ ዝውህብ ምዃኑ ዝተረኣየሉ እዩ” ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.