Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ናብ ምዕራፍ ምድላው ምእታዉ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ስራሕቲ ምዕራፍ ቅድመ ምድላው ዛዚሙ ናብ ምዕራፍ ምድላው ምእታዉ ኣካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም።

ፕሮፌሰር መስፍን ከምዝገለፅዎ÷ ኣብ ምዕራፍ ቅድመ ምድላው ነቲ ኮሚሽን ናይ ምውዳድ ስራሕቲ ከምዝተኻየደን መርሃ ግብሪ ተግባር ብምውፃእ ናብ ምዕራፍ ምድላው ዘእትዉ ስራሕቲ ተሰሪሖም፡፡

ኣብ ምዕራፍ ምድላው እውን ንስራሕ ዘድሊ ምድላው በጀትን ስትራቴጂክ ትልምን ኣብ ምዝዛም  ከምዘሎን ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ቤት ምምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣፅዲቑ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወን ገሊፆም፡፡

“ኣብዚ ምዕራፍ እዚ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዝዳለዉ መድረኻት ምይይጥ ዝመርሑን ዘዛትዩን ውልቀሳባትን መዳርግቲ ኣካላትን ናይ ምምራፅን ስልጠና ምሃብን ተግባራት ይካየዱ ኣለዉ” ኢሎም፡፡

ብመሰረት እዚ ብዛዕባ ሃገራዊ ዘተ ምስ ኣመያየጥትን ተመያየጥትን ኣብ ዝስርሑ ተግባራት ምርድዳእ ተበፂሑ ናብ ዘተ ዝእተወሉ ምቹው ባይታ ከምዝፍጠር ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ናይ ምድላው ምዕራፍ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ፈላሞት ኣዋርሕ ክዛዘም  ከምዝኽእል ብምሕባር፤ እቲ ምድላው ምስተዛዘመ ኣብ ዝተመረፁ ዛዕባታት ዘተን ምኽክርን ከምዝህሉ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.