Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት እቶት ካብ ምንኽኻእ ኢድ ርሒቑ ዘመናዊ ክኸውን ኣለዎ-ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግዕዝይናን፣ ኣሰራርሓ ብኽነትን ንምክልኻል ስርዓት እቶት ካብ መንኽኻእ ኢድ ደቂ ሰባት ዝርሓቐን እዋናውን ክኸውን ከምዘለዎ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ ምንቅስቓስ እቶት 2014 ዓ.ም ኣካይዱ።

ብመሰረት ሓበሬታ እተን ከንቲባ፥ እቲ ዕቤት እቶት ኣብ መወዳእታ 2013 ዓ.ም 11 ቢልየን ዝነበረ እቶት ኣብ 2014 ድማ ናብ 23 ቢልየን ዕብየት ከምዘመዝገበ ሓቢረን።

ዕብየት እቶት ምስተረጋገፀ እቲ በጀት ክውስኽ ከምዝኽእል ዝገለፃ እተን ከንቲባ፥  እዚ ድማ ህዝቢ ንጠለባት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ናይ ምላሽ ዓቕሙ ከምዘዕቢ ገሊፀን።

ታክስ ብምስፋሕ፤ ንሕጊ እቶት ንብረት ኣመልኪቱ፣ እቲ ትካል ዓርሱ ንክዳለው ምግባር፤ ከፋሊ እቶት ግብሩ ኣብ ግዚኡ ከምዝኸፍል ምርግጋፅ፣ ምኽባር ሕጊ ምጥንኻር፣ እቲ ትካል ብሓይሊ ሰብ፣ እታዎታትን ቴክኖሎጅን ምጥንኻር ትኹረት ዝወሃቦ እዩ ኢለን።

ብተወሳኺ እቲ ምምሕዳር ኣብ እቶት ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ንምትብባዕ ናይዚ ወርሒ ጥቕሚ ብዕፅፊ ከምዝውስኽ ገሊፀን።

ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ መሰረት፥ ኣብቲ መድረኽ ከንቲባ ኣዳነች ኣበበ፣ ሓላፊ ቢሮ እቶት ኣይተ ሙሉጌታ ተፈራን ካልኦት ሓለፍቲ እታ ከተማን ከፈልቲ ግብሪን ተረኺቦም ነይሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.