ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ቤት ፅሕፈት ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ብምዃን ኣብ ናይ ቐፃሊ በጀት ዓመት ኣንፈታት ትኹረት ብምድሃብ ተዛቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ቤት ፅሕፈት ክልላትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ብምኻን ኣብ ዛዕባ ናይ ቐፃሊ በጀት ዓመት ኣንፈታት ትኹረት ይዛተ ኣሎ።
ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ እቲ ዓዉዲ ካብቲ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ወፂኡ ሓድሽ ነባራዊ ኩነታት መሰረት ዝገበረ ምንቅስቓስ ክገብር ከምዘለዎ ግንዛበ ዝህብ እዋን ህንፀት ዓቕሚ ነይሩና እዩ ኢለን።
ኣብ ዝተጀመረ ሃገራዊ ጉዕዞ ዴሞክራሲን ዘላቒ ሓድሽ ኣተሓሳስባን መፅናዕታዊ ፅሑፍ ምቕራቡ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ኣብዚ እዉን ብዙሓት ቀንዲ ቀንዲ ዛዕባታት ምልዓሎም ሓቢረን።
ትካላት ሞያን ቴክኒክን ካብ ምስልጣን ንላዕሊ ምርኣይ፣ ፅርየት ዘለዎ ዕድል ስራሕ ምፍጣር፣ ካብ ምርግጋፅ ስምምዕነት ሰራሕተኛን ኣስረሓን ንላዕሊ ኣብ ሓድሽ ባህሊ ኢንዱስትሪ ንኣፍራይነት ምብርታዕን፣ ኣገዳስነት ጎንፅታት ሲዒቦም ዝመፁ ኹነት ናብ ፅቡቕ ዕድል ምቕያር ዘድሃበ ምይይጥ ምክያዱ ኣልዒሎም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ከም ሃገር ንቐፃሊ ዝተተለሙ መማሓየሺ ማይክሮ ኢኮኖሚ፣ መማሓየሺ መዋቕርን ዓዉድታትን ምይይጥ ምክያዱ ኣመላኺተን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።