ፅገና ቤተክርስትያን ላሊበላን ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ቱሪዝም ኣብ ዝጠናኸረሉ ኣገባብን ዝጠመተ ዘተ ኣብ ፓሪስ ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅገና ቤተክርስትያን ላሊበላን ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ቱሪዝም ኣብ ተጠናኺሩ ኣገባብን ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ኣብ ፓሪስ ተሳሊጡ።
እቲ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ብምትሕብባር ንምስራሕ ዝበፅሉ ስምምዕነት ስዒቡ ዝተጀመረ እዩ።
ኢማኑኤል ማክሮን ቤተክርስትያን ቅዱስ ላሊበላ ዑደት ንኽገብሩን ነቲ ናይ ቅርሲ ስራሕ ድጋፍ ንኽገብሩ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ዝዝከር እዩ።
እቲ ስራሕ ብዝተዋደደን ዝተሳለጠን መንገዲ ንምትግባር ንክከኣል ካብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ፈረንሳይ ከምኡ እውን ኣብ ፓሪስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ልዑል ድጋፍ እናገበሩ ከምዝርከቡ ካብ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ራእይ ልምዓት ቱሪዝም ሃገርና ንምዕዋት እቲ ስራሕቲ ፅገና ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎ ተባሂሉ።
ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም፣ ዋና ዳይሬክተር ዕቃበ ቅርስታት፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሰበኻ ቅዱስ ላሊበላን ኣተሓባባሪ ዘላቒ ፕሮጀክት ላሊበላን ፈረንሳይ ካብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰኑይ ጀሚሮም ኣብ ከተማታት ፓሪስን ቦርዶን ዑደት እናገበሩ ይርከቡ።
እቲ ልኡኽ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ሓለዋ ቅርስታትን ልምዓት ቱሪዝምን ንምዕዛብን ተሞክሮታት ንምውሳድን ኢሉ እውን ምስ ዩኒቨርስቲታት ፈረንሳይን ጉጅለታት ፅገናን ቴክኒክን ላሊበላን ካልኦት ቅርስታት ኢትዮጵያን ብኸመይ ከምዝፅገኑ ንምዝታይ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።