Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኮሚሽነር ጉዳይት ፖለቲካ፣ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኮሚሽነር ጉዳይት ፖለቲካ፣ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዮዬ ናብ ቤት ጽሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ዘለዎ ቅዋም ኣመልኪቶም ነቶም ኮሚሽነር ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

ኮሚሽነር ጉዳይት ፖለቲካ፣ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዮዬ ብግደኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ብዘተ ንምፍታሕ ዝጀመሮም ፃዕሪታትን ሃገር ለኸ ኮሚሽን ምኽክር ኣጣይሹ ናብ ስራሕ ምእታዉን ንኢዶም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተፈጠረ ወጥሪ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣምባሳደር ባንኮሌ፥ ኢትዮጵያ እቲ ወጥሪ ንምህዳእ ዝወሰደቶ እወንታዊ ስጉምቲ ዝነኣድ ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ብመንግስቲ ሱዳን ዝተፈጠረ ትንኮያ ንርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዘይምጥን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ሱዳን ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ጉዳይ ኣህጉራዊ ትካል ሕብረት ኣፍሪካ ሓሊፋ ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምውሳዳ እቲ ጎንፂ ዓለም ለኻዊ ንምግባር ዘለዋ ድሌት ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.