Fana: At a Speed of Life!

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝገብሮ ሓገዝ ናብ 430 ሚሊየን ዩሮ ክብ ኣቢሉዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝገብሮ ኣስተዋፅኦ ከምዘጠናኽር ኣብቲ ሕብረት ኮሚሽነር ዓለም ለኸ ርክብ ጁታ ኡርፒላይነን ገሊፀን።

እተን ኮሚሽነር ኣብ መበል 13 ኣኼባ ሚኒስትራት ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ሕብረት ኣፍሪካ ብምውካል ተሳቲፈን፡፡

በስብሰባው ወቅት ኮሚሽነሯ የአውሮፓ ህብረት ለአፍሪካ ቀንድ ኢኒሼቲቭ የምግብ ዋስትናን ለማረጋገጥ ቀደም ሲል ካደረገው የ162 ሚለየን ዩሮ ድጋፍ በ2022 ወደ 430 ሚሊየን ዩሮ ከፍ በማድረግ ለምግብ ዋስትና የሚያደርገውን አስተዋፅኦ እንደሚያጠናክር ገልፀዋል

ጁታ ኡርፒላይነን ኣብ እዋን እቲ ኣኼባ ከምዝለኦ፥ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢኒሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝገብሮ ኣስተዋፅኦ ንምጥንኻር ቅድም ክብል ካብ ዝገበሮ 162 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ኣብ 2022 ናብ 430 ሚሊየን ዩሮ ክብ ክብል ብምግባር ንውሕስና ምግቢ ዝገብሮ ኣስተዋፅኦ ከጠናኽር ኢዩ፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ምንቅስቓስ ፖለቲካ ሶማሊያ ንኽቕፅል 13 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ በጀት ከምዝገብር ዝገለፃ ጁታ ኡርፒላይነን፥ ካብዚ ብተወሳኺ ንህንፀት፣ መመሓየሺ ኢኮኖሚን ለውጢ ንብረት ኣየር ንምክልኻልን ዘኽእል ሓገዝ 125 ሚሊየን ዩሮ ከምዝገብር እቲ ሕብረት ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ካብዚ ብተወሳኺ መሰረታዊ ድሌታት ትምህርቲን ጥዕናን ንምሕጋዝ 81 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ንመሃብ ምሕሳቡ እተን ኮሚሽነር ገሊፀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.