Fana: At a Speed of Life!

ሁዋዌ ካብ ህንፀት መሰረት ልምዓት ሓሊፉ ኣብ ስግግር ፍልጠት ዘለዎ ስራሕ ዝነኣድ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሁዋዌ ካብ ህንፀት መሰረት ልምዓት ሓሊፉ ኣብ ስግግር ፍልጠት ዘለዎ ስራሕ ዝነኣድ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንና ቴክኖሎጂ ሁሪያ ኣሊ ተዛሪበን።

ቴክኖሎጂ ህዋዌ 2022 ናይ ምሕዝነት ኢትዮጵያ ኣኼብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንና ቴክኖሎጂ ሁሪያ ኣሊ፥ ሁዋዌ ካብ ህንፀት መሰረት ልምዓት ሓሊፉ ኣብ ስግግር ፍልጠት ዘለዎ ስራሕ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ስግግር ፍልጠት ኣብ ትካላት ውሽጢ ሃገር ዲጂታል ስርዓት ንግዲ ንኽሕግዙን ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ንኸዕውቱን ከምዝሕግዝ ኣብሪሀን፡፡

ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ሁዋዌ ኮዊን ካኦ ብግደአን፥ ቴክኖሎጂ ህዋዌ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ 158 ናይ ውሽጢ ሃገር መሓዙት ብምዃን ን3 ሺሕን 700 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

ሁዋዌ ኣብ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ብዝብል እናሰርሐ ከምዝኾ ዝሓበሩ እቶም ፈፃሚ ስራሕ፥ ዕድል ስራሕ ካብ ሞንጎ ዝተፈጠረሎም ዜጋታት እቶም 70 ዜጋታት ውሽጢ ሃገር ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሁዋዌ፥ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኢትዮጵያ ተተኣናግዶ መበል 17 ጉባኤ ምሕደራ ኢንተርኔት ንምሕጋዝ ቃል ከምዝኣተወ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.