መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ ዝበሩ ስብራታት ክፈትሕ ዝኸኣለ ኢዩ – ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ኣብ ኣፈጻፅማ ወፃኢ ንግዲ ሓዊሱ ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ ዝበሩ ስብራታት ክፈትሕ ዝኸኣለ ከምዝኾነ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም።
እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግና ከምዝበሉዎ፥ እቲ ፓርቲ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቦም ዝተመዝገቡ ዓወታት ብምጥንኻርን ፈተናታት ድማ ተሓባቢሩ ኣብ ምፍታሕ ንምስራሕ ኣንፈት ኣቐሚጡ ኢዩ፡፡
መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ሓዊሱ ካልኦት ተግባራዊ ዝኾኑ ስራሕቲ ሪፎርም ንኢትዮጵያ ካብ ውድቀት ዘድሐነ ውፅኢት ከምዘመዝገቡ እውን ተዛሪቦም፡፡
ኣባላት ኮሚቴ እቲ ፓርቲ ዝኾኑ ኣይተ ማሞ ምህረቱ፥ ኣብ ድሮ እቲ ለውጢ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ እኳ ደሞዝ ክኸፍል ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ በፂሑ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም፡፡
ኣብቲ እዋን ዝነበ ምዕባለ ኢኮኖሚ ብመንግስቲ ወፃኢ ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት ዝተንጠልጠለ ስለዝነበረ ዘላቒ ለውጢ ከምፅ ከመዘይከኣለ ኣብሪሆም፡፡
ፅዕንቶ ልቓሕ፣ ልዑል ዝኾነ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ከምኡአ እውን ትሑት ኣፈፃፅማ ወፃኢ እቲ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ መመዐሓየሺ ጋህዲ ንኅኸውን ደፋእቲ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡
ካልኦት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ፓርቲብልፅግና ዝኾኑ ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፣ ዶክተር ግርማ ኣመንቴን ወይዘሮ ያስሚን ወሃቢረቢን ብግደኦም ቅድሚ ለውጢ ምስ ምውሓድ ዓቕሚ ተተሓሒዙ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ልዑል ኪሳራ ከምዝነበረት ገሊፆም፡፡
ብምዃኑ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ወፃኢ ልቓሕ ክትረክብ ኣብ ዘይትኽእለሉ ብርኪ ከምዝነበረት ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተሳለጡ ምምሕያሻት ኢኮኖሚ ካብ ብሕዚኡ ለውጢ እናምፅኡ ከምዝኾኑ እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ገሊፆም፡፡
መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ ልዑል ውፅኢት ከመዝግብ ይኽኣል እምበር፥ ሕዚ እውን ምኽነባር ናብራ ፈተና ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/