Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣምቦ ኣብ ልዕሊ ንድጋፍ ሰልፊ ዝወፅኡ ሰባት ብዝተደርበየ ቡምባ 29 ሰባት ቆሲሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣምቦ ትማሊ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን ሰልፊ ብልፅግናን ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ብዝተደርበየ ቡምባ 29 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን  ፓሊስ ኦሮሚያ ኣራርሳ መርደሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቶም ዜጋታት ቀሊል ጉድኣት ኢዩ በፂሑዎም።

መጥቃዕቲ ካብ ዝበፅሖም ዜጋታት እቶም 28 ሕክምና ተገይሩሎም ናብ ገዝኦም ዝተመለሱ እንትኾኑ፥ እቲ ሓደ ሰብ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣምቦ ክትትል ሕክምና ይግበረሉ ከምዘሎ እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም።

ምስቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምትሕሓዝ ሽዱሽተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ እውን ተሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ዕለተ ዓርቢ 13 ለካቲት 2012 ዓ.ም ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ህይወት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፀፅታን ምምሕዳርን ከተማ ቡራዩ ኮማንደር ሰለሞን ታደሰ ብምጥፋእን ሰለሰተ ሰባት ብምቑሳልብን ዝተጠርጠሩ 17 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.