ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደጋ ዉሑጅ ክረምቲ ንምክልኻል ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓደጋ ዉሑጅ ክረምቲ ንምክልኻል ብግዚኡ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ምምሕዳር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ “ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናወሰኸ ስግኣት ንብረትን ህይወትን እናኾነ ንዝመፅአ ሓደጋ ዉሑጅ ክረምቲ ንምክልኻል ብዕቱብ ይስራሕ ኣሎ” ኢሉ፡፡
ብመሰረት እዚ ልዑል ሓደጋ የብፅሑ እዮም ዝተብሃሉ ከባቢታት ብምፍላይ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ናብ ተግባር ብምእታው ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዉሑጅ ተቃላዕቲ ክኾኑ ዝክእሉ ከባቢታት ብዝርዝር ብምፍላይ ስራሕቲ ኣቐዲምኻ ምክልኻል ከምዝተሰርሑ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
ንውሑጅ ክረምቲ ተቓላዕቲ እዮም ተባሂሎም ዝተፈለዩ ከባቢታት ናይ ነዊሕን ሓፂርን እዋን ኣንፈት ፍታሕ ብምቕማጥ ናብ ተግባር ከምዝኣተወ እቲ ምምሕዳር ዝገለፀ እንትኸውን÷ ሕብረተሰብ እውን ንውሑጅ ክረምቲ ተቓላዕቲ እዮም ተባሂሎም ኣብ ዝተፈለዩ ከባቢታት ፉሉይ ጥንቃቐ ንክገብር ፃውዒት ቐሪቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።