እትልወጥ ዘላ ኣዲስ ኣበባ መርኣዪ መሪሕ ትምኒት እታ ሃገር ኢያ- ዘ ኢኮኖሚስት
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እትልወጥ ዘላ ኣዲስ ኣበባ መርኣዪ መሪሕ ትምኒት እታ ሃገር ኢያ ክብል መፅሄት ዘ ኢኮኖሚስት ፀብፂቡ።
ዘ ኢኮኖሚስት ኣብ ፀብፃቡ፥ ኣብኢትዮጵያ ጎንፂ እኳ እንተነበረ ጉኒ ንጎኒ እቲ ጎንፂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣዲስ ኣበባ ይሃንፁ ኣለዉ ኢሉ።
ፕሮጀክት ፓርክ ሕውነት ከምኣብነት በምግላፅ፥ እቲ ፓርክ መሀደሲ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ከመዝኾነ ሓቢሩ።
ኣብቲ ፓርክ ምንቅስቓስ ክትገበር እንተለኻ መፃኢ ዕድል ኣዲስ ኣበባ ዘርእይ ኢዩ ኢሉ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዓብዪ ቤተ መፃሕፍቲ ህዝቢ ምኽልፋቱን ኣብ ጎኑ ድማ ሙዚየም ሳይነስ፣ ኣባይቲ ቴኣትር ክህነፁ ምዃኖም ከም እወንታዊ ብምርኣይ እቲ መፅሄት ፀብፂቡ።
ብድምር ኣብዛ ከተማ ዘለዉ ሓውልቲታትን ህንፃታትን፣ መገዲታት ከም መርኣያ ብምግላፅ፥ በፍላይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ጀሚሩ ዘበን ተሻገርቲ ፕሮጀክትታት ይህነፁ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።