Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ህዝባዊ ሰራዊት ዝምረሐሉ ሓዱሽ ደንቢን ረቂቕ መምርሒን ከምዝተሰናድአ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ህዝባዊ ሰራዊት ዝምረሐሉ ሓዱሽ ደንቢን ረቂቕ መምርሒን ከምዝተሰናድአ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እታ ከተማ ገሊፁ።

ምክትል ሓላፊት እቲ ቢሮ ወ/ሮ ሊዲያ ግርማ፥ ኣብ 11 ክፍለ ከተማታት ዝርከቡ ልዕሊ 246 ሺሕ ኣባላት ሀዝባዊ ሰራዊት ምስ ፖሊስ ብምውዳድ ንምስራሕ ዘኽእል ካብ “ጓድ” ክሳብ በርጌድ ፖሊሳዊ ኣወዳድባ ብዘለዎ መገዲ ስራሕቲ ሪፎርም ከምዝተሳለጠ ገሊፀን።

እቶም ኣባላት ህዝባ ሰራዊት ካብ ወፍሪ ህልውና ጀሚሩ ሰላምን ድሕንነትን እታ ከተማ ኣብ ምርግጋፅን ኣዕናዊ ምንቅስቓስ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ኣብ ምክልኻልን ክሳብ መስዋእትነት ዝበፅሕ ዋጋ ከምዝኸፈሉ ተዛሪበን።

ሐዚ ድማ እቲ ህዝባዊ ሰራዊት ዝምረሐሉ ሓዱሽ ደንቢን ረቂቕ መምርሒን ከምዝተሰናድአ ገሊፀን።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.