Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንትግራይ ለቒቑ ድሕሪ ምውፅኡ ስዳራቤት እቲ ሰራዊት ብግረ ራዕዲ ህወሓትን ደገፍቱን በዙሕ ግፍዕታት ከምዝበፅሖም ስድራቤት እቲ ሰራዊት ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንትግራይ ለቒቑ ድሕሪ ምውፅኡ ስዳራቤት እቲ ሰራዊት ብግረ ራዕዲ ህወሓትን ደገፍቱን በዙሕ ግፍዕታት ከምዝበፅሖም ስድራቤት እቲ ሰራዊት ገሊፀን።

ጥቅምቲ 24/2013 ዓ.ም ኣብ ዓፂድ ዊዒሉ ሃገር ሰላም ኢሉ ዝተቀመጠ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ÷ኣቀዲሞም ነቲ ሰራዊት ንምጥቃዕ ይዳለዉ ብዝነበሩ ከሓድቲ ልዕሊ 23 ዓመታት ኣብ ዝተቀመጠሉ ቦታ ከምዝተጨፍጨፈ ምስ ፋና ብሮድ ካስቲግ ካርፖሬት ፃንሒት ዝገበራ ኣባላት  ስድራቤት እቲ ሰራዊት ገሊፀን።

ኣብቲ እዋን እቲ ሰራዊት ንምጥቃዕ ናይቲ ቦታ ኔትወርክን መብራህቲን ክጠፍእ ከምዝተገበረ ዝሓበራ ኣባላት ስድራ እቲ ሰራዊት÷ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር  ኣብቲ እዋን ትግራይ ካብ እዋን ንእስነቶም ጀሚሩ ዝዓበዩላ፣ዝወለዱላን ዝከቡላን  ክልል ብምኻና ከምዚ ዝዓይነቱ መጥቓዕቲ ክፍፀመና እዩ ዝብል ግምት ከምዘይነበሮም ገሊፀን።

ጥቅምቲ 24 ን ድሕሪኡን እቲ ሰራዊት ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ተጨፍጪፉ እዩ ዝባላ ኣጋይሽና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣካይዱ  ሙሉእ ትግራይ ድሕሪ ምቑፅፃሩ ፤ቅድም ክብል ኾነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ዝተፈፀመ ግፍዒ በቃላት ዘይግለፅ ዋላኻ እንተነበረ ተበዲለ እየ ብዝብል ስመዒት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ህዝባውነቱ  ከምዘይገደፈን  የግዳስ ህወሓትን ደገፍቱን ዘዕነውዎ መሰረተ ልምዓትን ናብ ምፅጋንን ነቲ ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምብፃሕ ጠመተ ጌሩ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ጠቂሰን።

መንግስቲ ፌደራል ንህዝቢ ትግራይ ደጊሙ ንክሓስብ  ናይ ፅምዋ እዋን ብምሃብ እቲ ሰራዊት ንትግራይ  ለቒቑ ድኽሪ ምውፅኡ÷ ነቲ ክልል ዝተቆፃፀረ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ስድራቤት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ መንበሪ ገዝኣም ካብ ምብራር ጀሚሩ ብዙሕ ግፍዕታት ከምዝተፈፀምን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እንድሕር ድኣ ተመሊሱ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ኾይኑ ስድራቤት እቲ ሰራዊት ዘለዎ ዕፃ ሞት ከምዝኾነ መራሕቲ እቲ ግበራ ራዕዳዊ ጉጅለ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ከምዝወሰኑ፤ ኾይኑ ግና ቅኑዓትን ፈተውቲ ዓዶምን ህዝቦምን ኣቀዲሞም ስለዝሓበርዎን ዓርሰን ንምድሓን ከምዝወሰና ተዛሪበን።

ምስ ኣባላት ስዳራቤት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝነበረና ፃንሒት ኣብ ዘመሓላለፎኦ መልእክቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ስምዒታውነት ብምውፃእ ንሰላም ክሰርሕን ብፍላይ ድማ ኣብ ዝተፋላላየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከብ ኣባል ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ትግራይ ስኽን ንክብልን ካብ ናይ ኩናት ጎስጓስ ወፂኡ ነቲ ህዝቢ ናብ ሰላማዊ መገዲ ንክምልሶን እቲ ህዝቢ ኣብ ኣፀጋሚ ኹነታት ስለዝርከብ ክሕግዞን ፀዊዐን።

ብሜሮን ፉፋ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.