Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ዝተፈተኑ መጥቃዕቲታት ሳይበር ብምፍሻል ክሳራ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ምድሓን ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ዝተፈተኑ መጥቃዕቲታት ሳይበር ብምፍሻል ክሳራ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ምምሕዳር ኢንፎርሜሽንን መርበብ ድሕንነትን ገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ፋይናንስን ትካላት ሚዲያን ብበዝሒ ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ኣብ ዝሓለፈ 9 ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ 5 ሺሕን 830 ፈተነታት መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝተገበሩ ምግላፆም ይዝከር።

ምስ ግዜኢ ፃንሒት ዝገበሩ ምክትል ዋላ ዳይሬክተር እቲ ትካል ሰለሞን ሶካ፥ ገበን ሳይበር ኣብ ኢትዮጵያ ካብ እዋን ናብ እዋን ይውስኽ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ 2011 ዓ.ም 790፣ 2012 ዓ.ም 1 ሺሕን 80፣ 2013 ዓ.ም 2 ሺሕን 900 መጥቃዕቲታት ሳይበር ከምዝተገበሩ ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ 2014 ዓ.ም ዝተፈተኑ መጥቃዕቲታት ሳይበር ብምፍሻል ክሳራ 1 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ምድሓን ተኻኢሉ እውን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.