Fana: At a Speed of Life!

ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሳለጦ ቀዳማይ ዓመት 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሳለጦ ቀዳማይ ዓመት 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛቲዩ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

  1. እቲ ምምሕዳር ከተማ መሬት ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣግባብ ንልምዓት ንምውዓል 89 ዝኾኑ ቦታታት ንመንበሪ፣ ንንግዲን ንሕውስዋስ ኣገልፍግሎትን ንኽውዕል ፕላን እታ ከተማ ብዝሓለወ ኣግባብ ብግልፂ ጨረታ ንኽቐርብ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
  2. ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብማሕበር ተወዲበቦም ገዛ ዝሃንፁሉ ኣሰራርሓ ንምውሳን ብዝተሰናደአ ደምቢ ዝተዛተየ እንትኸውን፥ በዚ ኣግባብ ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ፀገም ገዛ ዘለዎም ነበርቲ ፀገሞም ብዝፈትሕ መልክዑ እቲ ምምሕዳር ከተማ መሬት፣ ዝሃንፁ ሓበራዊ መንበሪ ህንፃታት ዲዛይን፣ እቶም ማሕበራት ምውዳብን ህንፀቱ ኣብ ዝጅመረሉ እዋን ናይ ምቁፅፃር ሓላፍነት ዝወስድ ኮይኑ፤ ብማሕበር ተወዲቦም ሓበራዊ ህንፃ ዝሃንፁ ሰራሕተኛታት፣ መምህራን፣ ሰብ ሞያ ጥዕናን ኣካላት ፀፅታን ምስተወደቡ ብግቡእ ክዓቑሩ ዝኽእሉን እቲ ምምሕዳር ብዘሰናድኦ ዲዛይን መሰረት ብምግባር ብራኸኦም ዝሓለዉ ህንፃታት ንምህናፅ ድሉዋት ዝኾኑ ናብ ህንፀት ንኸኣትዉ ምግባር ዘኽእል ደምቢ እንትኸውን ዝርዝር ኣፈፃፅምኡ ኣብታ ከተማ ዘሎ ማዕቐፍ መንበሪ ኣባይቲ ተጠዓዒሙ ንኽፍፀም ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

እቲ ካቢኔ ኣብ ስግኣት ሓደጋ ድሕንነት እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣቐዲምካ ንምክልኻል ኣብ ዘኽእል ደምቢን ምኅባር ናብራ እቲ ምምሕዳር ከተማ ንምፍታሕ ክሳብ ሕዚ 1 ቢሊየን ብር ሰሊዑ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ናብታ ከተማ ንኸኣቱ ብዝወሰኖ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ንኸኣቱ ይወስን እምበር ሕፅረት ቀረብ ዘይቲ ስለዘሎ ንቀረብ ልቓሕ ዝኸውን 400 ሚሊዮን ብር ተወሳኺ ድጎማ ሰሊዑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.