Fana: At a Speed of Life!

ለውጢ ስዒቦም ኣብ ዝወፅኡ ሕጊታት ዝረኣዩ ክፍተታት ተፈፃምነት መፅናዕቲ ብምግባር ምክረ ሓሰሳብ ዘቕርብ ጉጅለ ተወዲቡ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ለውጢ ስዒቦም ኣብ ዝወፅኡ ሕጊታት ዝረኣዩ ክፍተታት ተፈፃምነት መፅናዕቲ ብምግባር ምክረ ሓሰሳብ ዘቕርብ ጉጅለ ተወዲቡ ናብ ስራሕ ከመዝኣተወ ተገሊፁ።

እቶም ሕጊታት ኣዋጅ ምምሕዳር ኣፅዋራት ኲናት፣ ኣዋጅ ስነ ሰርዓት ምምሕዳር፣ ኣዋጅ ጠበቓታት፣ ኣዋጅ ምምሕዳር ኣብያተ ህንፀት፣ ኣዋጅ ትካላት ስቪክ ማሕበራት፣ ኣዋጅ ሚዲያ፣ ኣዋጅ ገበን ብሰብ ምንጋድን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ ምሽጋርን፣ ኣዋጅ ሕጊ ንግዲን ኣዋጅ ፀረ ግብረ ራዕዲን ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣይተ ኣለምአንተ ኣግደው፥ ኣብ ትሽዓተ ሕጊታት ዘለዉ ክፍተታት ኣፈፃፅማ ዝግምግም ዓብዪ ኮሚቴ ተወዲቡ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተዛሪቦም።

እቲ ኮሚቴ ስርሑ ብዕዉት መገዲ ንክፍፅም ሚኒስተሬር ፈትሒ ኣድላዪ ደገፍ ይገበር ከምዘሎ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.