Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ መፅናዕቲን ምርምርን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወራቤ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)2ይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስ መፅናዕቲን ምርምርን “ምርምር ቀፃልነት ንዘለዎ ምዕባለ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወራቤ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኸ ኮንፈረንስ ምርምር፥ ኣብ ጉዳይ ምርምር ዓቕሚ መምህራን ንኸጎለልብቱ ካብ ነባር ተመራመርቲ ልምዲ ንኽለዋወጡ ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ተመራመርቲ ስራሕቲ ምርምሮም ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ለኸ ጆርናል ንኸሕትሙ ምብቃዕ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ብላዕለዎት ተመራመርቲ ብዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ዝተሰርሑ ልዕሊ 40 ስራሕቲ ምርምር ቀሪቦም ልዝብ ከምዝግበረሎም ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንክለተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ ኮንፈረንስ ምርምር ካብ ልዕሊ 21 ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተዓደሙ ሓለፍቲ ስራሕ፣ ተመራመርቲ፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ተሳቲፎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.