ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ምዕባለ ከተማታት ኢትዮጵያ ንክትከውን ንሰርሕ ኣለና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ምዕባለ ከተማታት ኢትዮጵያ ንክትከውን ንሰርሕ ኣለና ክብላ ከንቲባ እታ ከተማ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እተን ከንቲባ ንኣባላት ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝህነፁ ዘለዉን ዝተሃነፁን መሰረተ ልምዓታት ዘጎብነያ አንትኾና፥ ሕድሳት ቤት ማዘጋጃ ታሪካዊነቱን ቅርስነቱን ብምሕላው ንዝቕፅሉ 60 ዓማውቲ ንከገልግል ተሓሲቡ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ሕድሳት እታ ከተማ ብዘላቕነት ንምቕፃልን ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓባር መንበሪት ከምዝኾነት ብተግባር ንምርግጋፅን ኣብ ኣመዳድባ ካቢኔ እቲ ከተማ ዝሓሹ ኣባላት ፓርቲታት ብምክታት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።
ኣብታ ከተማ ዝስርሑ ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት ፅባቐ እታ ከተማ ካብ ምቕያር ብተወሳኺ ኩለ መዳይ ምዕባላ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ንዝግበር ፃዕሪ ዘርእይ ኢዩ እውን ኢለን።
ስለዝኾነ ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ምዕባለ ከተማታት ኢትዮጵያ ንክትከውን ንሰርሕ ኣለና ክብላ ምዝራበን ካብ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ምምሕዳር እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።