ኢጋድን ጣሊያንን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ጣሊያንን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ሚነሲቴር ጉዳያት ወፃኢ ሉዊጂ ዲ ማዮ ተዛቲዮም።
ዶክተር ወርቅነህ ኣብዚ እዋን፥ ጣሊያን ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ኢጋድ ፈታዊትን ኣቦ መንበር ፎረም መሓዙት ኢጋድን ከምዝኾነት ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኢጋድን ጣሊያንን ኣብ ድርቂ፣ ዞባዊ ከይዲ ሰላም ንምሕጋዝን ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻልን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም ኢሎም።
ካብዚ ሓሊፉ ንቤት ትምህርቲ ሕክምና እንስሳት ኢጋድ ሓገዝ ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ኣግባብ ምስምዕመዖም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ፅሒፎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።