Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ሊዊጂ ዲ ማዮ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣድሂም ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን፥ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ኣብ ክልተኣዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ከምዝተመያየጡ ገሊፆም፡፡

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ምዃኑ ብምፅራሕ፥ መንግስቲ ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ እዋናዊ ኩነታት ሚዛናዊነት ብምርኣዩ ኣመስጊኖም፡፡

ሓበራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ብዘረጋግፅ መልክዑ ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብሪሆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ሊዊጂ ዲ ማዮ ንክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ዑደት ምስ ዛዘሙ ናብ ኬንያ ከምዘምርሑ ሚኒስቴር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.