ውሩይ ድምፃዊ ዳዊት ነጋ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውሩይ ድምፃዊ ዳዊት ነጋ ትማሊ 5 ሰነ 2014 ዓ.ም ሰዓታት ኣጋግዘ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ።
ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተምሃረን ድምፃዊ ዳዊት ነጋ፥ ገና ወዲ 10 ዓመት እንከሎ ወለዱ ብሞት ከምዝተፈልይዎ ኣብ ሓደ ፕሮግራም ቴለቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ተዛሪቡ ነይሩ።
ድምፃዊ ዳዊት ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ ይኸውን ነቲ ንሙዚቃ ዝነበሮ ፍቕሪን ሕልምን ናብ ተግባር ንምቕያር ናብቲ ብምርኢታት ሰርከስ፣ ሙዚቃን ተዋስኦን ዝነጥፍ ዝነበረ ጕጅለ ሰርከስ ትግራይ ከም ድምፃዊ ክፅምበር ሕቶ ኣቕሪቡ።
እቲ ሕቶኡ ብእዋኑ እወታዊ መልሲ ክረክብ’ኳ እንተዘይከኣለ፥ ሽዑ “ማርሽ ባንድ” ብዝብል ናብ ዝፍለጥ ክፍሊ ክፅምበርን ድራም (ከበሮ) ክሕዝን ዕድል ረኸበ።
ኣብ ውሽጡ ግን ድምፃዊ ናይ ምዃን ባህግን ሕልምና ስለዝነበሮ ደርፊ ምፍታን ኣየቋረፀን።
ስለዝኾነ ዳዊት ነቲ ከቢድ ጉዕዞ ፈተና ብፅንዓትን ብፃዕርን እናሰዓረ ብምምፃእ ናብቲ ዝደልዮ ሞያ ድምፃዊ ክቕልቀል ከሎ፥ ብፍሉይነት ድምፁን ቃናኡን ብቐሊሉ ንብዙሓት ክስሕብ ክኢሉ እዩ።
“ዳኣመና”፣ “ባባ ኢለን”፣ “ሕድያት መቐለ”፣ “ወዛመይ”፣ “ዘዊደሮ”፣ “ብነፀላይ”፣ “ቅዱስ ፀባያ”፣ “ቸቸኮላታ” ዝብሉ ደርፍታቱ ካብቶም ኣብ እዝኒ ኣድነቕቱ በፂሖም ዝለዓለ ተቐባልነትን ናእዳን ዝረኸቡ ስራሓውቱ እዮም።
ዳዊት ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ስዒቡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ኣዲስ ህይወት ዝተበሃለ ሆስፒታል ኣትዩ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ከምዝፀንሐ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ውሩይ ድምፃዊ ዳዊት ነጋ እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከም ሰዓል ኣቢሉ ዝጀመሮ ሕማም እናኸበዶ ምስከደ ብዓርቢ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን ክሳብ ትማሊ ሰንበት ኣብ ስሩዕ ክፍሊ ክትትል ሕክምና ፀኒሑ ኢዩ።
ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክትትል ክግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ብፍላይ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ሕማሙ ስለዝፀንዖ ናብ ክፍሊ ፅዑቕ ክንክን ከምዝኣተወን ምሸት ከባቢ ሰዓት 01፡00 ኣቢሉ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየን ተገሊፁ።
ዳዊት ነቲ ከም ሰዓል ኣቢሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝጀመሮ ሕማም፡ ኣብ ገዛኡ ብምዃን ንምክልኻል ግሉኮስ ይወስድ ከምዝነበረን ምምሕያሽ ከርእይ ብዘይምኽኣሉ ናብቲ ኣዲስ ህይወት ዝተበሃለ ሆስፒታል ከምዝኸደን ተገሊፁ’ሎ።
ኣብቲ ሆስፒታል “መጠን ሽኮሩ ከም ዝወሰኸ” ክንገሮ እንከሎ፥ “ሕማምካ ናብ ኒሞኒያ ተሰጋጊሩሎ” ዝብል’ውን ብሰብ ሞያ ጥዕና ከም ዝተነገሮ ፀብፃብ ቢቢሲ የረድእ።
ትማሊ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ ፍሉጥ መንእሰይ ድምፃዊ ዳዊት ኣብ ኣስከሬኑ ተወሳኺ ምርመራ ክካየድ ምዃኑ’ውን ተገሊፁ።
ድምፃዊ ዳዊት ነጋ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቘልዓን ነይሩ።
ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንመላእ ቤተሰቡን ኣድነቕቱን ፅንዓት ይምነ፡፡