ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል፤ ኣብ ገርጂን ቀበናን ዝሃነፆም መንበሪ ኣፓርትመንታት ኣመሩቑ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል፤ ኣብ ገርጂን ቀበናን ዝሃነፆም መንበሪ ኣፓርትመንታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተረኸበሉ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተኻይዱ።
እቲ ፕሮጀክት “ኣሉሙኒየም ፎርም ወርክ ቴክኖሎጂ” ዝተበሃለ ህንፀት ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ረብሓ ዘውዐለ እንትኸውን÷ ሰብ ሞያ ኢትዮጵያ እቲ ቴክኖሎጂ ብምልማድ እቲ ህንፀት እናካየድዎ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
ፅሬትን ቕልጣፈን እቲ ህንፀት ዘቀላጥፍ እንትኸውን÷ እቲ ኮርፖሬሽ እዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ረብሓ ብምውዓል ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ 10 ደብሪ ዘለዎም 16 ህንፃታት ዝሓዘ መንበሪ መንደር ሃኒፁ።
እቲ መንበሪ መንደር ዘመናዊ ስርዓት ሓለዋ ድሕንነት ዝተገጠመሉ፣ ልዕሊ 800 መኪና ደው ከብል ዝኽእል ስፍራ፣ ሓበራዊ መጥቀሚ ኣደራሽ፣ ዝተፈላለዩ ዝስረሐሎም ስፍራታት፣ ካፌን ሬስቶራንት፣ መናፈሻ፣ ኣምፊ ቴአትር፣ መፃወቲ ህፃውንቲን መሐመሲ ገንዳን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
መንበሪ መንደር ገርጂ ዘመናዊ ህንፀት ቴክኖሎጂ ዘፋለጠ፣ ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ ፕሮጀክት መንግስቲ ዝተረኣዩሉ፣ መስረሕቲን ንሓደ ዕላማ ተሓባቢርኻ ብምስራሕ ዓብዩ ነገር ጋህዲ ምግባር ከምዝከኣል ዝርኣየ እዩ ተባሂሉ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።