ኣብ ሃገራዊ ዛዕባታት ብግልፂ ተዛራሪብካ ምርድዳእ ምፍጣር ጉዳይ ህልውና ኢዩ – ኣይተ ታዬ ደንዳኣ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ሃገራዊ ዛዕባታት ብግልፂ ተዛራሪብካ ምርድዳእ ምፍጣር ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ኣይተ ታዬ ደንዳኣ ገሊፆም።
መካተቲ ብሄራዊ ምኅክር ንብሄራዊ ምርድዳእና፣ ንዘላቒ ሰላማትናን ሓድነትናን ብዝብል መሪሕቃል ሃገር ለኸ መድረኽ ምኽክር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ተዘ መደረ ዘስዑ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ “ከም ሃገር ኣብ ዘጋጠሙ ብዙሓት ፀገማት ብምዝታይ ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ቅንዕና ዝተደረኸ ልዝብ ምግባር ንፅባሕ ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን” ኢሎም።
ኣፈላላያት ብግቡእ ብምትእንጋድ ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ሃገራዊ ዛዕባታት ብግልፂ ብምዝርራብ ምርድዳእ ምፍጣር ጉዳይ ህልውና ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
ኩሉ ንቑሕ ተሳትፎ ኣብ ዝሓትት መካተቲ መድረኽብሄራዊ ምኽክር ኩሉ ዜጋ ብንቕሓትን ቆራፅነትን ተሳትፎ ክገብር ከምዝግባእ ምሕባሮም ካብ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሰዶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።