Fana: At a Speed of Life!

ለበዳ ሕማም ዓሶ እናወሰኸ ስለዝኾ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብር ሚኒስቴር ጥዕና ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ለበዳ ሕማም ዓሶ እናወሰኸ ስለዝኾ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ሚኒስቴር ጥዕና ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ሚኒስቴር ምስ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ብምዃን ኣብ ለበዳ ሕማም ዓሶ፣ ቫይረስ ኮሮናን ዓበቕ ህበይን ኣድሂቡ መግለፂ ሂቡ፡፡

ሚኒስት ዲኤታ ጥዕና ዶክተር ደረጄ ድጉማ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ለበዳ ሕማም ዓሶ ኣብ ምክልኻል ኣብ ሕረተሰብ ምዝንጋዕ ይረአ ኣሎ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እውን ብፍላይ ኣብ ክልላት ደቡብ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እቲ ለበዳ ከምዝወሰኸ ተዛሪቦም፡፡

ዛንዚራ ብግቡእ ዘይምጥቃም፣ ምዝንጋዕ ኣመራርሓን ሕረተሰብን፣ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ዝነበረ ፀገም ፀፅታን እቲ ለበዳ ንኽስፋሕፋሕ ምኅንያት ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ድርቂ ስዒቡ ዝመፅአ ከቢድ ዝናብ ንለበዳ ሕማም ዓሶ ምቹው ኩነታት ምፍጣሩ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ለበዳ ንምግታእ ድማ እቲ ሚኒስቴር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሕብረተሰብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብር ፀዊዖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.