Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ካብ ባንኪ ዓለም ሓገዝ 210 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቆላማ ከባቢታት ማይ ከርሰ ምድሪ ንምልማዕን ኣብ ረብሓ ንምውዓልን ዘኽእሉ 210 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ካብ ባንኪ ዓለም ረኺባ።

እቲ ሓገዝ ሕፅረት ዝናብ ኣብ ዘለወን ከባቢታት ማይ ከርሰ ምድሪ ንምልማዕን ሳኒቴሽን መስተ ማይን ከምኡ እውን ንልምዓት መስኖ ንምውዓል ዝተሓንፀፁ ፕሮጀክታ መፈፀሚ ዝውዕል ኢዩ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ብሚኒስተር ማይን ኢነርጂን ሚኒሰስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት ዝትግበሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ቆላማ ከባቢታት ዝነብሩ ዜጋታት እታ ሃገር ተረባሒ ከምዝገብሩ ተገሊፁ፡፡

ኣመራርሓታትን ሰብ ሞያን ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለም ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ብሚኒስቴር ገንዘብ ምስተፈረመን ብፓርላማ እታ ሃገር ምስፀደቐን ተግባራዊ ከምዝኸውን ካብቲ ሚኒሰስቴር ዝረኸብናዮ  ሓሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.