Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ሃገራት ዓረብ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ድሌት ኣለዋ – ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣምባሳደራት ሃገራት ዓረብን ኣምባሳደር ሊግ ዓረብን ብዝሓተቱዎ መሰረት ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐቢለን ኣዘራሪበን።

ዲን እቶም ኣምባሳደራት ኣብቲ እዋን ዘተ፥ እቲ ጉጅለ ብዝውክሉዎም ሃገራት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ ኣብ ምይይጥን ምርድዳእን ዝተመርኮሰ  ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ብግደአን፥ ሃገራት ዓረብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ስለዝኾና፤ ዘለዋ ርክብ ንምጥንኻር ናይ ኩሉ ግዘ ድሌታን ፃዕራን ከምዝኾነን ኣባል ሊግ ዓረብ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪካ ጥንክርቲ ድልድል ከምዝኾና ተዛሪበን፡፡

“ፈጣሪ ዝሃበና ብዙሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንኹልና ዝኣክል ስለዝኾነ፤ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ በቢዞባታትና ምፍታሕ ይግባእ” ክብላ ምዝራበን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.